...
Fr. Hagos Tesfagabir
January 9, 2026

ዓሚቚ ትርጉም መሥዋዕተ ቅዳሴን ክህልወና ዘለዎ ንጡፍ ተሳታፍነትን

January 9, 2026
HomiliesDevotionsSacramentsChurch TeachingsLiturgical Practices
...
January 28, 2026
Read 15
0
0
0

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ “መስዋዕተ ቅዳሴ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ምድሪ እዩ” በሉ እዚ ማለቶም ከኣ እቲ ኣብዚ ምድሪ እነዕርጎ ቅዳሴ፡ ምስቲ ኣብ ሰማይ ንዘለዓለም ዝቐርብ ቅዳሴ ምስታፍ ማለት እዩ። ኣብ ራእይ ዮሓንስ ምዕራፍ ኣርባዕተ ብዛዕባ ሰማያዊ ግብረ ኣምልኾ ኣስፊሑ ይገልጸልና እዩ፡ “እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍስወከፎም ሸሽዱሽተ ክንፊ ኣለዎም። ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዕይንቲ ዝመልኦም እዮም፣ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፣ ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ፣ ኲሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን’ ይብሉ ነበሩ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ከለው፣ እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፣ ነቲ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው ኮይኑ ዚነብር ሰገድሉ። ኣኽሊሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከኣ ‘ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን! ንስኻ ክብርን ስብሓትን ሥልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፣ ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፣ ፍቓድካ ስለዝኾነ ድማ ህላዌ ረኺቡንተፈጢሩን ኣሎ’ በሉ (ራእይ 4፡8-11)። ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 “መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ልቢ ቤተክርስትያን እዩ” ይብሉ። ልቢ ኣብ ሓደ ሰውነት ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ልቢ እንተ ሓሙሙ ምሉእ ሰውነት ይሓምም፣ ልቢ ጠጠው እንተ ኢሉ ከኣ ኲሉ ይመውት ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጉባኤ ዝኣርእስቱ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ፡ ““ኣብታ መጨረስታ ድራር ዝገበረላን ዝተኻሕደላን ለይቲ መድኃኒና ብሥጋኡን ደሙን መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባን ሠርዐ። ነዚ ዝገበረ ንሱ እንደገና ክሳዕ ዝመጽእ መሥዋዕቲ መስቀል ንብዙኅ ዘመናት ንኽነብርን ናይ

ፍቕሪ ምሥጢር፣ ናይ ድኅነት ምልክት፣ ናይ ሠናይ ግብሪ መተግበሪ፡ ዝኾነ ሞቱን ትንሣኤኡን ዝኽሪ ንፍትውቲ መርዓቱ ቤተክርስትያን ሕድሪ ንክህባን እዩ። ክርስቶስ መኣዲ መሥዋዕቲ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ፋሲካዊ በዓል፣ ኣእምሮ ብጸጋ ይመልእ፣ ንኣና ከኣ ውሕስነት ናይቲ ዚመጽእ ክብሪ ይወሃበና” (ቅዱስ ጉባኤ 47)። ቅዳሴ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘቕረቦ ቅቡል መስዋዕቲ እዩ። ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ምስ ሞተ ሓደ ወተሃደር መጺኡ ብኲናት ጐድኑ ወግኦ። ካብዚ ዝተበስዐ ጐድኑ ከኣ ማይን ደምን ጸረር በለ። እዚ ማይን ደምን ናይቶም ኣዕኑድ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝኾኑ ምሥጢረ ጥምቀትን ምሥጢረ ቊርባንን ምልክት እዮም። እዞም ክልተ ምሥጢራት ንቤተክርስትያን ዝሓንጽዋ ስለዝኾኑ ካብ ጐድኑ ቤተ ክርስትያን ተወሊዳ ክንብል እውን ንኽእል። ከምቲ ሔዋን ካብ ጐድኒ ኣዳም ዝተፈጥረት ካብ ጐኒ እቲ ሓዲስ ኣዳም ዝኾነ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ቤተክርስትያን ተወሊዳ። ቤተ ክርስትያን ከኣ ኣብ መኣዲ ጐይታ እናተኣከበት ነቲ ንሱ ዝኣዘዛ ክትፍጽም ትርከብ። “እታ ሰዓት ምስ በጽሐት ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ ፨ ‘እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቆሪሱ ‘እዚ ምእንታኻትኩም ዚወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ። ንመዘከርታይ ከኣ ግበርዎ’ እናበለ ሃቦም። ከምኡ ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ፣ ‘እዚ ጽዋዕ እዚ እቲ ምእንታኻትኩም ዚፈስስ ደመይ ዝተገብረ ሓዲሽ ኪዳን እዩ”። ቤተ ክርስትያን ከኣ ነቲ ኢየሱስ ምሸት ሓሙስ ዝፈጸሞ እንጌራ ምቚራስን ጽዋዕ ምልዓልን ብስሙ ክሳዕ ሎሚ ንዝኽሩ ክትፍጽሞ ትርከብ።

ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ከምእንሰምዖ ካብ መጀምርታ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ብትምህርቲ ሓዋርያትን፣ ኃቢሮም ብምንባርን፣ ብቚራስ እንጌራን፣ ብጸሎትን ጸኒዕም ነበሩ” (ግ.ሓ.2፡42)። ቊጽሮም እናበዝሐን እናስፋሕፍሐን ምስ ከደ ነቲ ሥርዓት ምቚራስ እንጌራን ምልዓል ጽዋዕን ዝተፈላለየ ጸሎታትን ምህልላን እናተወሰኾ ከምዝኸደ እውን ርጉጽ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቆሮንጦስ ዝነበሩ ምእመናን ነቲ ኢየሱስ ባዕሉ ዝሠርዖ ቅኑዕ ኣፈጻጽማ መኣዲ ቊርባን ዘንጊዖምዎ ሰለዝነበሩ እንደገና የዘኻኽሮምን ይእርሞምን። “እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተኅፍርዎም ዘሎኹምሲ ንቤተክርስትያን ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ክበለኩም እየ፣ በዚዶ ክንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን እየ። እቲ ንኣኻትኩም ዘመኃላለፍኩልኩም ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበክዎ እየ፣ ጐይታና ኢየሱስ በታ ዝተታኅዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፣ ኣመስጊኑ ቆረሰ እሞ፡ ‘ውሰዱ ብልዑ እዚ ምእንታኻትኩም ዚወሃብ ሥጋይ እዩ፣ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በለ። ከምኡ ከኣ ድኅሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዓለ እሞ ‘እዚ ጽዋዕእዚ ብደመይ ዚኸውን ሓዲሽ ኪዳን እዩ። ብእትሰትዩዎ ጊዜ ኲሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በለ። ማለት ነዚ እንጌራ እዚ ብእትበልዕዎ፡ ነዚ ጽዋዕ እዚ እውን ብእትሰትዩዎ ኲሉ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ” (1ቆሮ 11፡22-26)። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልክት ህብስትን ወይንን ገቢሩ ነቲ ሕያው ሥጋኡን ክቡር ደሙን ክህበና ወሰነ፡ መኣዲ ፍቕርን ኅውነትን ክሰርዓልና ደለየ። “ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፣ ደሙውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ሕይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፣ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፣ ኣነውን ኣብኡ እነብር” (ዮሓ 6፡53-56)። ብሓጺሩ መስዋዕተ ቅዳሴ ማለት ነቲ ኢየሱስ ዝሰርዓልና መኣዲ ፍቕሪ ተኣኪብና ነቲ ኣብ ቀራንዮ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ምእንታና ዘቕረቦ ቅቡል መስዋዕቱን፣ ነቲ ተቐባልነት እግዚኣብሔር ኣቦ ዝገለጸ ዓወት ትንሣኤኡን ክሳዕ ዳግም ዝምለስ እንፍጽመሉ ናይ ኣምልኾ ተግባር እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቅዳሴ እነዚሞ ጽማቊ ናይ እመንትና እውን ነዚ እዩ ዝስምዕ። ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ ወትንሣኤከ ቅድስተ ሞትካን ቅድስቲ - ኦ ጐይታና ትንሣኤኻን ነበሥር ኣሎና - ነኣምን ዕርገተከ ወዳግመ ምጽኣተከ - ዕርገትካን ካልኣይ - ምጽኣትካን እውን ንኣምን - ንሴብሓከ ወንትኣመነከ - ነመስግነካን ንእመነካን - ንስእለከ ወናስተበቊዓከ - ንልምነካን ንምሕጸነካን ኣሎና - ኦ እግዚእነ ወኣምላክነ - ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ፪ይ ክፋል ቅዳሴ መስዋዕቲ ምሥጋና እዩ። እዚ ምሥጋና እዚ ድማ፣ ንሕና ዘይኮንናስ ባዕሉ እቲ ፍቁር ወዱ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዘቕርበሉ። ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ እዩ፣ ንእኡ ስምዕዎ” (ማቴ 17፡5) ክብል መስኪሩሉ ስለዝኾነ ቅቡል መሥዋዕቲ ምስጋና ከቕርብ ዝኽል መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ በሎ።

ኣብ ካልእ ሥፍራ ድማ ንስኻ ከም መዓርግ መልከ ጼደቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ በሎ። ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፣ ጸሎትን ምህልላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዚእዘዝ ስለዝነበረ ከኣ ተሰምዐ። ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ኮነ፡ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ። ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኲላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ኣምላኽ ከኣ ከም መዓርግ መልከጼደቅ ሊቀ ካህናት ገበሮ” (ዕብ 5፡5-9)። 1345-6 አንብብ እዚ ናይ ቅዳሴ ሥርዓት አምላኾ ክሳብ ግዜና ንምእተ ዓመታት ዝዐቀቦ መሠረታዊ ቅርጺ ወይ መስርዕ ሒዙ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። 1348 - ብሓንሳብ ምትእኽኻብ ካብ ገዛውትና ተበጊስና ንቤተክርስትያን (ቤት ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ቤት ኣምላኽ) ንጐዓዝ ። “ክርስትያን ኲሎም ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሓደ ቦታ ይጋብኡ። ናይዚ ጉባኤ ዋናን ርእስን፣ እቲ ናይ መሥዋዕቲተ ቅዳሴ ቀንዲ ሠራዒ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ናይ’ታ ሓዳስ ኪዳን ሊቀካህን እዩ። ኣብ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ዚሥርዓሉ ዘበለ እቲ ብሥዉር ዚመርሕ ድማ ባዕሉ እዩ። - ኣቡን ኮነ ካህን ከኣ ነቲ ጉባኤ ዚመርሕ - ብድሕሪ ንባባት ዚዛረብ ወፈያታት ዚቕበልን ናይ ምስጋና ጸሎት ዜብጽሕን ንክርስቶስ ወኪሉ ብስም’ቲ ዋና ዝኾነ ክርስቶስ እዩ” (መዝገበ ሃይማ. 1348)። ትርጉም ናይ ምትእኽኻብና ኣብቲ ብስም ዮሓንስ ወልደነጐድጓድ ዝጽዋዕ ኣኰቴተ ቊርባን ዘሎ ጸሎት ክንረኽቦ ንኽእል፣ “ኦ ጐይታ፡ መዘከርታ

ሕማማትካ ክንገብርን፡ ኣብ ትንሣኤኻውን ክንካፈልን ንዝተኣከብና (ዝተጋባእና)፣ ንሕናውን ኦ ጐይታ ኣምላኽና፡ ንልምነካ ኣሎና። እዛ ኅብስቲ እዚኣ ኣብ ማእከል እምባን ኲርባን፡ ኣብ በረኻን ቈላን፡ ዝተበተነት ክንሳ፡ ተኣኪባ ሓንቲ ፍጽምቲ ኅብስቲ ከም ዝኾነት፣ ከምኡ ከኣ ንኣና ካብ ኲሉ ናይ ኃጢኣት እኲይ ኅሊና ፈሊኻ ናብ ፍጹም እምነትካ ብመለኮትካ ኣኻኽበና (ኣጋብኣና)”። ኣብ ቤተክርስትያን እንክንኣቱ ኣጻብዕና ኣብ ማይጸሎት ጠሚዕና ግንባርና ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንዓትብ (ትእምርተ መስቀል ንገብር)። እዚ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ክባርኹና - ስም ቅድሲቲ ሥላሴ ንጽውዕ፡ - ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ እምነትና ነሓድስ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሽንካር ዝተሸንከረሉን ዝሞተሉን - ዕንጸይቲ ሕይወት ዝኾነ መስቀል ነኽብር፡ - ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንና ንምስክር። ስግደት-ኢድ ምንሳእ ብትሕትናን ብርግኣትን ብግምባርና ተደፊእና ንሰግድ ወይ ከኣ ጸጋማይ ኢድና ኣብ ኣፍልብና ጌርና ንየማናይ ኢዳን ንምድሪ ገጹ ኣውሪድና ብዝግቡእ ኢድ ንነስእ። ስግደት ቅድሚ ኲሉ ነቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝጽበየና ዘሎ በዓል ቤት ወይ ጐይታ ሰላምታ ምቕራብ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ - ዓብይ ናይ ኣምልኾ ስራሕ እዩ። ክንሰግድ ከሎና ንኣምላኽ “እምላኽ” ንብል። ብሓጺሩ ክንሰግድ ከሎና ነፍስ ወከፍና ንኣምላኽ፡

- “ንስኻ ፈጣሪ፡ ኣነ ፍጡር፣ - ንስኻ ጐይታ ኣነ ኣገልጋሊ፣ - ንስኻ መድኃኒ ኣነ ድኅነት ዘድልየኒ፡ ምዃነይ እፈልጥ እየ እሞ ብዓይኒ ምሕረት ጠምተኒ፡ ኣይትጨክነለይ፡ ክጽውዓካ ከሎኹም ስምዓኒ “በከመ ምሕረትከ እግዚኦ ወኣኮ በከመ ኣበሳየ” ይብል ኣሎ ማለት እዩ። ንጡፍ ተሳታፍነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ካልኣይት ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ንጡፍ ተሳታፍነት ምእመናን ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ፥ “ሊጡርጊያ ምሉእ ውጽኢት ንክህብ አመንቲ/ምእመናን ብቅኑዕ መንፈስ ተዳልዮም ሓሳባቶም ምስቲ ካብ ኣፎም ዝወጽእ ቃል ኣሰማሚዖም ንመለኮታዊ ጸጋ ንከንቱ ከይቅበሉ ምስኡ ብምትኅብባር ክሰርሑ የድሊ” (ቅዱስ ጉባኤ 11) ብዝርድእዎ ቋንቋን ኣገላልጻን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ባህሎም ዝኸይድ ምልክታትን ንንጡፍ ተሳታፍነት ዝዕድም ኃዋኅውን ክፍጠር ይግባእ። ነዚ ኲሉ ዝሕግዝ ከኣ ቀጻሊ ምንቕቓሕን መግለጽታትን የድሊ። “ምእመናን ሕጊ ሊጡርጊያ ዝሓቶ ነገር ኲሉ ፈሊጦምን ብዝግባእ ተዳልዮምን ኣብ ግብረ ኣምላኾ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈልቲ ንምዃን መታን ክበቕዑ ብብርቱዕ ተማሕጽን” (ቅዱስ ጉባኤ 14)። • ክፍልታት መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ናይ ቅዳሴ ሥር ዓት አምላኾ ክሳብ ግዜና ንም እተ ዓመታት ዝ ዐቀቦ መሠረታዊ ቅርጺ ወይ መስርዕ ሒዙ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። 1346 - መሥዋዕተ ቅዳሴ መሠረታዊ ሓድነት ኣብ ዘለዎም ክለተ ዓበርይቲ ክፍልታት ይምቀል። እቲ ቀዳማይ ክፋል ሥርዓተ ቅዳሴ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣሓዱ ኣብ ቅዱስ፡ ኣቅርቦተ መባእ፡ ፍትሓት ዘወልድን፡ ጸሎተ ዕጣንን፡ ልመናታትን፡ ንንባባትን፡ ስብከትን፡ ጸሎተ ሃይማኖትን፡ ዘጠቓልል ክፋል እዩ።

ብሓቂ ከኣ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ንቃል እግዚኣብሔር ብትሕትናን ብእምነትን ሰሚዕና ብኃጢኣትና ተነሲሕና በቲ ሕያው ቃሉ ጸሪናን ናብ ናብቲ ናይ ምስጋና መስዋዕቲ ዝኮነ ፪ይ ክፋል ኣኰቴተ ቊርባን ክንሳገር የድሊ። ኣኰቴተ ቊርባን ኅብስትን ወይንን ዚቐርበሉ - ቀዳሲ ዝኾነ ጸሎት ምስጋና ዚዓርገሉን - ምቕባል ቅዱስ ቁርባን ዚፍጸመሉን ወገን ኢዩ፡፤ ሥርዓት ቅዳሴን ኣኰቴተ ቊርባን ክልቲኡ ዝይነጻጸል ዘይፈላለ ግብረ አምልኾ የቕውም። እቲ ዝተሰርዓልና መአዲ- ቅዱስ ቁርባን ድማ - ናይ ክልቲኡ ናይ ቃል አምላኽን - ናይ ጎይታና ሥጋኡን ደሙን መ አዲ እዩ። አብቲ ሰነድ ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ቃል አምላኽ ስተሰምየ ቁጽሪ 21 ክ ቤተክርስቲያና እዚ ሃቂ እዚ አስፊራትልና ትርከብ። እዚ ሓቂ እዚ -= ነቲ ዝተንሥአ ጎይታ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ኮይኑ ንዝፈጸሞ መአዲ- ፋሲካ ይመሳሰል። ምስ አቶም ሓቢሩ እናተጋዕዘ ቅዱስ መጽሓፍ ክገልጸሎም ተረኽበ - አብ መአዲ ምስ አቶም ተቐሪቡ ወይ ጠቐሚጡ ከአ እንጌራ አልዐለ - አመስጊኑ - ቆሪሱ ነአታቶም ሃቦም። ሉቃ. 24:13-35 ኣብዚ ብጽቡቕ እንተ ተዳሊና ኣብ መስዋዕትን መኣዲ ሥጋኡን ደሙን እውን ብብቕዓት ክንሳተፍ ንኽእል ማለት እዩ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ፣ “ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክነበቡ እንከለው ብኣኣቶም ገቢሩ ዝዛረብ ዘሎ ክርስቶስ ስለዝኾነ ብቃሉ ሕያው ኮይኑ ይርከብ። ቤተክርስትያን ክትጽልን ክትውድስን እንከላ ክርስቶስ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ከመይ ‘ክለተ ወይ ሠለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከብሉ ኣነ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ’ ኢሉ ኣተስፊዉ እዩ (ማቴ 18፡20” (ቅዱስ ጉባኤ 7)። ስለዚ ነዚ ቀዳማይ ክፋል ናይ ሥርዓት ቅዳሴና ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሉ ይግባእ። ብጊዜ መጺእካ ካብ መጀመርታ

- ብቃልን ብዜማን ብግብርን ምስታፍ፡ - ብጽሞና ምስማዕ፡ - ነቲ ዝሰማዕናዮ ከኣ ምስ ሕይወትና ምንጽጻር ከድልየና እዩ። እቲ ካልኣይ ክፋል ከኣ ኣኰቴተ ቊርባን(ምስጋና፣ ስባሔ፣ ቊርባን) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፣ - ጸሎት ምስጋናን - ዝኽሪ ምሸት ሓሙስን - ሕማማትን ትንሣኤን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ - ናይ ምልዋጥ ህብስትን ወይንን ቃላት ምድጋም፣ - ጽውዓ መንፈስ ቅዱስን፣ - ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያትን - እግዚኦታን፣ - ቅድሚ ቁርባን ዝድገም ናይ እምነት ሥራሕ፡ - ሱታፌ ቊርባን፣ - ድሕሪ ቊርባን ዝበጽሕ ናይ ምስጋና ጸሎት፣ - ቡራኬን ምፍናው ተሳተፍትን የጠቃልል። (መ.ሃ. ረአ 1361 ረአ)። ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ እምበኣር ኩሎም አመንቲ ክርስቲያን ንመስዋዕተ ቅዳሴ አብ ሓደ ቦታ አብዝ እከብሉ - ናይዚ ጉባኤ እዚ ዋናን ርእስን - እቲ ሰዋዒ ካህንን/ ማለት ናይ መስዋ ዕተ ቅዳሴ ሰራዕን - እቲ ዝቐርብ መስዋዕትን ባዕሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። - እቲ ብስውር ዝመርሕ ንሱ ኢዩ

ስለዚ ክርስቶስ ሎሚውን አብ ነፍሲ ወከፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ልክዕ ከምቲ አብ ጎልጎልታ ገዛእ ርእሱ ይውፊ። እቲ አቡን - ካህን ነቲ ጉባኤ ዝመርሑ - ብድሕሪ ንባባት ዚዛረብ ዝምዕድ - ወፈያታት ዚቕበልን ናይ ምስጋና (አኮቴተ ቁርባን) ጸሎት ዚብጽሕን - ንክርስቶስ ወኪሉ - ብስም እቲ ዋና/ር እሲ ዝኾነ ክርስቶስ ኢዩ። እዚ ኸአ በቲ አብ ክንዲ ክርስቶስ ዝሰርሕ አቡን ወይ ካህን ይፍጽም። ስለዚ እዩ መሥዋዕተ ቅዳሴ ወላ እቲ ካህን ብግሉ ይቀድሶ፡ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ግላዊ አይኮነን፡ ናይ ክርስቶስን ናይ ቤተክርስቲያን ተግባር እዩ። ንሱ ናይ’ታ ሓዳስ ኪዳን ሊቀካህን እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኸአ አብ ስርዓት አምልኾ ነናቱ እጃምን ንጥፈትን አለዎ። አንበብቲ - ወፈያታት አቕረብቲ - ቅዱስ ቁርባን ዓደልቲ - ከርምኡውን እቲ አሜን ብዚብል ቃሉ ሱታኤፌ ዚገልጽ መላእ ሕዝቢ። ንዝኽረይ ግበርዎ ስለዝበለና ግን ንሕናውን ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈውርቅ “ዝንቱ ውእቱ ዘንሕነ ንሠውዖ ለመድኃኒትነ በከመ ተሦዓ በቀራንዮ ለሕይወተ ኲሉ ዓለም”፣ ከምቲ ንሱ ኣብ ቀራንዮ ንሕይወት ምሉእ ዓለም ዝተሠውዐ፣ እዚ ንሕና ንሥውዖ ዘሎና መሥዋዕቲ ቅዳሴ ከኣ ምእንቲ ድኅነትና እዩ ( ጸሎተ ፈትቶ፡ ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ)። 1352 - አኮቴተ ቁርባን - እንብሎ ናይ ምስጋናን ናይ ቀድሶት ጸሎታት ዝሓቖፈ ወገን - ናይቲ ሥርዓት አምልኾ አንጉዕን - ዝለዓለ ጠርዝን ናብ ዝኾነ ወገን ቅዳሴ በጺሕና ማለት እዩ። ኣቦና በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ብሓቂ “መስዋዕተ ቅዳሴ ልቢ ቤተክርስትያን” እዩ። ኣብ መኣዲ ጐይታ ክንካፈል ከሎና ግን ከምቲ ሓለቓ ሚእቲ ኢየሱስ ንወዱ ከሕውየሉ ክሓቶ ከሎ ዝበሎ፡ “ኦ ጐይታ ናብ ትሕቲ ናሕሲ ቤተይ ክትኣቱ ዚግብኣኒ ኣይኮንኩን፣ ሓንቲ ቃል ጥራሕ ተናገር፣ ነፍሰይ ድማ ክትፍወስ ክትሓዩ እያ”

አብዚ እምበአር ንገዛእ ርእስና ከምዚ እንዳበልና ክንሕትት ይግበአና። አብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኸመይ ንሳተፍ፧ ነቲ አብ ትሕቲ መስቀል ኮይና ነቲ መስዋዕቲ ክርስቶስ ትርእ ዝነበረት ድንግል ማሪያም በዚ መንፈስዶ አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ይቀርብ፧ አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ሕጂዊን ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ይስዋዕ ከምዘሎዶ ይአምን፧ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ምልአት ዝህልዎ አብቲ መሥዋዕቲ እቲ እዩ፡ አብቲ መአዲ ብምስታፍ እዩ። አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍ ነቲ ሰማያዊ አቦና ምስ ክርስቶስ ኮይና መሥዋዕቲ ነቕርብ። ንመዋዕተ ቅዳሴ ዝትክ ጸሎት ይኹን ስግደት የሎን። ጸሎትና ጾምና ተጋድሎና ኩሉ ምል አት ዝረኽቡ አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዮም። ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዚፍጸም ብሓጺሩ ኣብዛ ትስዕብ ኣብ ቀዳማይ ክፋል መጽሓፈቅዳሴና እትርከብን፣ ቅድሚ ካልኣይ ንባብ ብሠራዒ ካህን እትድገምን ጸሎት ተጠቓሊሉንረኽቦ። መጀመርያ እግዚኣብሔር ብሓቂ ዘለዓለማውን፡ ዓብይን፡ ኃያልን፡ ኣብ ኲሉዝርከብን ምዃኑ ድሕሪ ተኣሚንና፣ ኣብ ማእከልና ክህሉን ልብናን ነፍስናን ከነጽሕን ክቕድስን ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ዝፈጸምናዮ ኃጢኣትናውን ክሓድገልና ድሕሪ ምልማን፡፣ ኣብ ቅድሚኡ በቲ ፍቁር ወዱ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ንጹሑ ቁርባንን ቅቡል መስዋዕትን መንፈሳዊ ዕጣንን ከነቕርበሉ ብቑዓት ክገብረና ንልምኖ። ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፡ ቀዳማይ ዳኅራዋይን መጀመርያን መወዳእታን ዘይብልካ ብክእለትካ ዓብይ፡ ብግብርኻ ኃያል ኣብ ኲሉ ዘሎኻ - ኦ ጐይታ ንልምነካን ንምሕጸነካን ኣሎና- ኣብ - ማእከልና ቁም ኣብ ልዕሌና ገጽካ ኣርኢ። ኣብ ማከልና ንበር ፡ ልብና ኣንጽሕ፡ ነፍስናን ሥጋናን ቀድስ፣ ብፍቓድናን

ብዘይፍቓድናን ዝገበርናዮ ኃጢኣት ስረየልና - ናባኻ ንጹሕ ቁርባን ከምነቕርብ ግበረና - መስዋዕትን መንፈሳዊ ዕጣንን - ናብ ኣዳራሽ ቅድስቲ ቅዱሳትካ ይእቶ - በቲ ሓደ ወድኻ ጐይታናን መድኃኒናን - ብኣኡን ብመንፈስ ቅዱስን ስብሓት ክብርን ምልክን ዘሎካ ሕጅን ንወትሩን ንዘለዓለምን። ኣሜን ግብረ ኣምልኾ፡ እቲ “ቊርባነ ንጹሓ፡ መስዋዕተ ነባቤ፡ ወዕጣነ መንፈሳዌ” ብዝብል ዝተፈላለየ መጸውዒ ዝወሃቦ ቅዳሴ፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ብክርስቶስ፡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ፡ ዝቐርብ ቅቡል መስዋዕቲ እዩ። መዝገበ ሃይማኖት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ “ንመሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባን ከስ በዚ ዚስዕብ ክንሓስቦ ንኽእል” (መ.ሃ. 1358) ይብለና። ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዚቐርብ ምስጋናን ውዳሴን “ቤተክርስትያን ከኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገቢራ ስለ’ቲ ኲሉ ኣምላኽ ዝገበሮ፣ ናይ ፍጥረትን ሰብኣውነትን ሠናይን ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ፣ መሥዋዕተ ውዳሴን ምስጋናን ከተቕርብ ትኽእል። (መ.ሃ. 1359) ናይ ክርስቶስን ናይ’ታ ኣካሉ ቤተክርስትያንን መስዋዕተ ዝኽሪ፣ “መሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባን፣ ናይ ፋሲካ ክርስቶ ዝኽሪ፣ ኣካሉ ኣብ ዝኾነት ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ሊጡርጊያ (ግብረ ኣምልኾ) ድማ ነቲ ኡንኮ ምሥዋዕቱ ህልው ዚገብርን ምሥጢራዊ ወፈያኡ ምዃኑ ዚነግርን እዩ። (መ.ሃ. 1362) ብኃይሊ ቃሉን መንፈሱን ዚግለጽ ህላዌ ክርስቶስ፣ “ክርስቶስ ኣብ’ቲ ምሥጢር ህልው ኪኸውን፣ እቲ ህብስትን ወይንን ናብ ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ስለዚልወጥ እዩ። ብብቕዓት ቃላት ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን፣ እዚ ምልዋጥ እዚ ከምዚፍጸም ንዚገልጽ እምነት ቤተክርስትያን ኣበ ቤተክርስትያን ኣነጺሮም የረጋግጽዎ” (መ.ሃ.1375) “መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዚሥሮዓሉ ጊዜ ቤተክርስትያን ኣብ ዙርያኡ ከቢባ እትርከበሉ መንበረ ምሥዋዕ (መንበረ ታቦት)፣ ናይቲ ኡንኮ ምሥጢር ክልተ ገጻት ዜርኢ እዩ። ማለት መንበረ

መሥዋዕትን ናይ ጐይታ መኣድን እዩ።” (መ.ሃ. 1383። ምቕባል ሥጋኡን ደሙን ኣብ መኣዲ ክርስቶስ ዝሰረዓልና ናይ ሓዲስ ኪዳን መኣዲ ምስታፍ ማለት ኣብ በዓል ድኅነትና ተኻፈልቲ ኮይንና ምስ ጐይታ ኪዳን ንተክል። ኣብ ጊዜ ቊርባን ሥጋኡ ክንበልዕ ደሙ ክንሰቲ ከሎና፡ ከምቲ መጽሓፈ ቅዳሴና ዝብሎ፣ ሕይወትን፡ ድኅነትን፡ ሥርየት ኃጢኣትን፡ ምእንቲ ክንረክብ ኢና እንቕብሎ፣ ቅዱስ ቊርባን፡“ብእምነት ንዚቕበልዎ፡ ንሕይወትን ንድኅነትን፡ ንሥርየት ኃጢኣትን፡ ዚወሃብ” እዩ (መጽሓፈ ቅዳሴ፡ ቅድሚ ቁርባን)። ቅዱስ ቊርባን ክንቅበል ከሎና ምስቲ ሥጋኡን ደሙን ዝሃበና መድኃኒና ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኲላቶም እቶም ኣብቲ መኣዲ ዝቕረቡን ዝካፈሉን ኣመንቲ እውን ኢን ኣሓደ ንኸውን። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን? እታ እንቖርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን? ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንሲ ንሕና ብዙኃት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና። ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተሳቲፍና” (1ቆሮ 10፡16-17)። ኣቦና በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ብሓቂ “መስዋዕተ ቅዳሴ ልቢ ቤተክርስትያን” እዩ። ኣብ መኣዲ ጐይታ ክንካፈል ከሎና ግን ከምቲ ሓለቓ ሚእቲ ኢየሱስ ንወዱ ከሕውየሉ ክሓቶ ከሎ ዝበሎ፡ “ኦ ጐይታ ናብ ትሕቲ ናሕሲ ቤተይ ክትኣቱ ዚግብኣኒ ኣይኮንኩን፣ ሓንቲ ቃል ጥራሕ ተናገር፣ ነፍሰይ ድማ ክትፍወስ ክትሓዩ እያ” (ማቴ 8፡8 መ.ሃ.1386) ብዝብል ትሑት መንፈስን ዓሚቚ እምነትን ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴና እንደገሞ እግዚኣብሔር ከኣ ድኻምና ርእዩ ብዓይኒ ምሕረት ክጥምተናን ኣብ መኣዲ ወዱ ተሳተፍቲ ክገብረናን ንልምኖ። እግዚኣብሔር ዘትነብር ዲበ ኪሩቤል ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቅመጥ ወትነጽር ዲበ ሕዝብከ ወርስትከ ንሕዝብኻን ርስትኻን

እትምልከት ኣግዚኣብሔርባርክ ለኣግብርቲከ ወኣእማቲከ ወደቂቆሙ፡ ንመገልገልትኻ ኣቦታትናን ንውሉዶምን ባርኮም ወክፍሎ ለዘሂ ይመጽእ ወይነስእ እመንክር ማእድከ መጺኡ ብንጹሕ ኅሊና ካብዚ ቅዱስ መኣድኻ ንዚቕበል በንጹሕ ኅሊና ለኅድገተ ኃጢኣት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኅብረትን ናይ ኃጢኣት ስርየትን ዘእመንፈስ ቅዱስ ትድምርት ናይ ነፍስን ሥጋን ድኅነትን ናይ ሰማይ መንግሥትን ለመድኃኒተ ነፍስ ወሥጋ ርስትን ኣካፍሎ። ለዘበሰማያት መንግሥተ ወርስተ በሞገስ ወበፈቃድ በኣሓዱ ወልድከ ዘቦቱ ለከ ምስሌሁ ብሓደ ወድኻ ንኣኻን ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ዘሎካ ወምስለ ቅዱስ መንፈስ ክብርን ምልክን ሕጂን ንወትሩ ንዘለዓለም ዓለምን። ኣሜን ስብሓት ወእኂዝ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለም ዓለም። እንደገና ናብ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ምልስ ክንብል። ንሶም“መስዋዕተ ቅዳሴ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ምድሪ እዩ” ክብሉ ከለው ነቲ ዓብይ ትርጉሙ እዮም ገሊጾምልና። መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝቕደሰሉ ቦታን ሰዓትን ጐይታ ከምዝመጸን ከምዝመጽእን ኢና እንምስክር። መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ከሎ ክርስቶስ እዩ ዘዕርጎ። ንሱ ኣብ ማእከልና ኮይኑ ምስ ኣቦኡ የተዓርቐና፡ ተበታቲንና ዝነበርና ብመንፈስ ቅዱሱ ሓደ ሕዝቢይገብረና። “ ንስኻትኩም ግና ዕብየት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ ኅሩይ ወለዶ፣ ናይ ንጉሥ ካህናት፡ ቅዱስ ሕዝቢ፣ ጥሪት ኣምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፣ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቅድም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነበርኩም፣ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም” (1ጴጥ 2፡9-10)። ኣብቲ ንሳተፎ መስዋኦተ ቅዳሴ ኢየሱስ ኣብታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ብግርማ ከምዝመጽእ እውን ንገልጽ ኢና። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ንሕናውን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዓይኒ እምነትን ተስፋን ፍቕርን እንተዘይኮይኑ ብዙኅ ዘይበርሃልናን ዘይንርድኦን ዘይንርእዮን ነገራት ኣሎ። “ሕጅስ ከም

ብመስቲያት ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና” ፣ ኣብ መወዳእታ ጐይታ ክመጽእ ከሎ ግን ዓይኒ ፍቕሪ ጥራይ እዩ ዘድልየና። “ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፣ ሽዑ ግና ከምቲ ኣምላኽ ንኣይ ዚፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ኪኸውን እዩ” (1ቆሮ 13፡12) ። “ካብ ዕርገት ክርስቶስ ንደሓር፣ እቲ ናይ ክርስቶስ ክብሪ ዝዓዘዞ ምጽኣቱ ዘይተርፍ ትሑዝ ነገር እኳ እንተኾነ፣ ‘ኣቦ ብስልጣኑ ንዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ ኣይተዋህበኩምን’ ተባሂሉ እዩ። ክልቲኡ፡ ማለት እቲ መወዳእታን፡ እቲ ንኣኡ ዚቕድሞ መወዳእታ ፈተናን እኳ እንተደንጐየ፣ እቲ ማኅለቅታዊ ምጽኣቱ ግን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኪፍጸም ዚከኣል እዩ” (መ.ሃ.673) ። መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ aዚጽበየና ዘሎ ክርስቶስ ዘተስፈወና ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣምልኾን ዕርቡን እዩ። ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ” (ራእ 22፡20) ይብለና። ንሕና ከኣ ምስ መላእ ቤተክርስትያን ኮይና፣ ”ኣሜን፡ ጐይታ ኢየሱስ፡ ንዓ” (ራእ.ዮሓ. 22፡20) ንብሎ። እወ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኣማን መንግሥተ ሰማይ ኣብ ምድሪ እዩ! አብዚ እምበአር ንገዛእ ርእስና ከምዚ እንዳበልና ክንሕትት ይግበአና። አብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኸመይ ንሳተፍ፧ ነቲ አብ ትሕቲ መስቀል ኮይና ነቲ መስዋዕቲ ክርስቶስ ትርእ ዝነበረት ድንግል ማሪያም በዚ መንፈስዶ አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ይቀርብ፧ አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ሕጂዊን ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ይስዋዕ ከምዘሎዶ ይአምን፧ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ምልአት ዝህልዎ አብቲ መሥዋዕቲ እቲ እዩ፡ አብቲ መአዲ ብምስታፍ እዩ። አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍ ነቲ ሰማያዊ አቦና ምስ ክርስቶስ ኮይና መሥዋዕቲ ነቕርብ። ንመዋዕተ ቅዳሴ ዝትክ ጸሎት ይኹን ስግደት የሎን። ጸሎትና ጾምና ተጋድሎና ኩሉ ምል አት ዝረኽቡ አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዮም።