ርክብ ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን

ቅዱስ መጽሓፍ ግልጸት ተዋስኦ ናይ አምላክን ሰብን እዩ። እግዚአብሔር ጀማሪ መለኮታዊ ግልጸት እዩ። መለኮታዊ እንታይ ማለትና ኢዩ፧ አምላኻዊ ማለትና ኢዩ። ግልጸት ከአ ምቅላዕ የስምዕ። ነቲ ስውርን ሕቡእን ዝነበረ ግሁድ ምግባር ማለት ኢዩ። መለኮታዊ ግልጸት እምበአር አምላኽ ንደቂ ሰባት አምላኾምን ፈጣሪኦምን ምኻኑ ንኽፈልጡን ከገልግሉን ከፍቅሩን ዝተገብረ መስርሕ የስምዕ። ወንጌል ብክልተ መንገዲ ናባና ተመሓላለፈ ወይ በጽሐ፦ ትውፊት ትውፊት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ትውፊት ዝብል ቃል “አወፈየ” አቐበለ” “ሃበ” “አውረሰ” “አመሓላለፈ” ወዘተ ዝብሉ ትርጉም ይህበና። ትውፊት ባዕሉ ምቅባል፤ ምውርራስ፤ ምርኽኻብ፤ ምቅብባል ማለት ኢዩ። እዚ ከአ፦ ሓደ ወለዶ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ዚወርሶ፡ ዚረኽቦን ዝቕበሎምን ነገር እዩ። እዚ በዚ ዘብቅዕ ዘይኮነስ ንሱውን ብግዲኡ ነቲ ተካኢኡ ወለዶ የሕልፍ፡ ከምኡ እናበለ ድማ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካሊእ ወለዶ ክመሓላለፍ ይነብር። መንፈሳዊ ትርጉም፡ ካብ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብነብያት፤ ሃዋሪያት …. ድሕሪኦም ተኸቲሎም ዝመጹውን ዝመሓላለፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ልማድ ትውፊት ንብሎ እዩ። ትውፊት ማለት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቃል ብቓል እንዳ – ተነግረ ዝመጸ ኮይኑ ሱሩን መሰረቱን አብ ብሉይ ኪዳን ኢዩ። ትውፊት አብ ብሉይ ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ነቂሉ ናብ አዳም፡ አቤል፡ ቃኤል፡ ኖህ፡ አብርሃም፡ ሙሴን ነብያትን። ብአፍ እግዚአብሔር አምላኽ ተነጊሩ ብኢድ ሙሴን ነብያትን ካልኦትን መንፈሳውያን ሰባትን ድማ ተጻሕፈ።
ትውፊት አብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለቒሉ ሓዋሪያት፤ ካልኦት ደቂ መዛሙርቲ፤ እተን ሕያዎት አዴታት ። ብአፍ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ብሓዋሪያት እንደገና ዳግም ዝተነግረ፤ ብኢድ ሓዋሪያት ካልኦት ደቂ መዛሙርትን ተጻሕፈ። በዚ ልዕል ኢልና ክንርእዮ ዝጸናሕና አቢሉ ቃል-አምላኽ ብትውፊት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ዝነብርን ኢዩ። ወዲ ሰብ እምነቱን ስርዓቱን – ባህሉን ታሪኹን ብጹሑፍ ምሓዝ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ አዳም ካሳዕ ሙሴ ቃል ብቃል እንዳ – ተነግረ ከምዝጸንሐ እዚ ትውፊት አቐዲሙ ዝነበረ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ትውፊት – ቅዱስ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምጽሓፎም ዝነበረ ኢዩ። ቃል አምላኽ ድማ ብትውፊት ይመሓላለፍ ነበረ። ድሒሩውን አብ ሓዲስ ኪዳን ቤተክርስቲያን ምስ አምላኽ ዘሕለፈቶ ሕይወት ብዘይጎደሎ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተሰጋግረሉ መገዲ ኢዩ። ትውፊት አብ ቅዱሳት መሳሕፍቲ ዘይተጻሕፈ ካብ አበው ቃል ብቃል ዝተመሓላለፈ ናይ፡ እምነት ስርዓት፡ ትምህርትታት፡ ናይ ታሪኽ ውርሻ አግሊሑ ዘርኢ ኢዩ። መሰረቶም መጽሓፍቲ ቅዱሳት ኮይኖም ብትርጉም ንዘይተገልጹ ብተግባር ዘርኢ ኢዩ። በዚ ከአ ትውፊት ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስጢሪን ትርጉምን ዝሰማማዕ ደአምበር ዝጻረር ከምዘይኮነ ዘረጋግጸልና ሓቂ ኢዩ። ቃል አምላኽ እምበአር አብ ጹሑፍ ክሰፍር ምስ ጀመረ፤ ነቲ ኣቀዲሙ ብትውፊት { ሊቃውንቲ አብቲ ዝተፈላለየ ክረኽብዎ ዝኸአሉ ሓበሬታት ተመርኪሶም ትውፊት እስራኤል ካብ ሽሕ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ አብ ጽሑፍ ክሰፍር ከምዝጀመረ ይሕብሩ፤} መዓስ ተጻሒፉ ንዝብል ሕቶ} ይንገር ካብ ዝነበረ ዘድልዮም ወሲዶም ዝጽሓፍዎ ኢዩ። እምበአር ቅዱስ መጽሓፍ መሰረቱ ቅዱስ ትውፊት ኢዩ።
አብ ቅዱስ ትውፊት መሰረት ብምግባር ኢዩ ተጻሒፉ። ከምኡ ከአ እቲ ዝተጻሕፈ እሞ ሎሚ ቅዱስ መጽሓፍ ንብሎ ዘሎና፤ ኩሉ እቲ ትውፊት ሓደውን ከይተረፈ ተጻሒፉ ማለት አይኮነን። ምኽኒያቱ ነቲ ከም ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ዝመስል ቅዱስ ትውፊት ንኹሉ አብ ጽሑፍ ሰፊሩ ማለት አይኮነን። “ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ አሎ። ኩሉ ብብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፥ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኹሉ እዚ ዓለም እካ አይምአኸሎን ይመስለኒ። ዮሓ.21:25 አብዚ ሓሳብ ተመርኪስና፤ ቃል- አምላኽ ብምልአት ክንረኽቦ እንተ ደሊና አብ ክሊቲኡ ማለት አብ ቅዱስ ትውፊትን – ቅዱስ መጽሓፍን አሎ ዝብል መደምደምታ ንበጽሕ። ናይ ቤተክርስቲያን እምነት ትምህርቲ ብጽሑፍ ዝወሃበሉ ዝነበረ ግዜ አይነበረን ብቓል እዩ ነሩ። ዝተጻሕፈውን እቲ ብቃል ዝንገር ዝነበረ ኢዩ። “ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ ምስማዕ ድማ ብቃል እግዚአብሔር ኢዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ነዚ ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ኮነ፤ ሓዋሪያት ንተኸተልቶም፤ ትምህርቶምን ሕይወቶምን መጀመርታ አብ መጽሓፍቲ ቅድሚ ምስፋሮም አብ ልቢ አመነቲ ኢዮም ዘስፈርዎ ዝነበሩ። እቲ ዝጸሓፍዎ’ውን ነቲ ብምልአት ዘመሓላለፍዎ ንምዝኽኻርን፡ ንጹር መረጋገጺ ንክኸውንን - ንዝተጋገዩ ንምእራምን -ንሓደ ሓደ ነጥብታት ብዝያዳ ንምግላጽን፡ ንአመንቲ ብዝያዳ ንምትብባዕን ኢዮም ዝጸሓፍዎ። ሉቃ. 1:1-4 አብ ሕይወት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ብኽልተ መገዲ ኢዩ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ብቃልን ብሕይወትን ማለት መሃረን ገበረን {ግ.ሓ. 1:2} “ኦ ቴዎፍሎስ! አብቲ ቐዳማይ ጽሑፈይ፥ ብዛዕባቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ኂዙ ክሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን አዘንትየልካ ነረ። {ግ.ሓ. 1:2}
ብቓልን - ነቲ ካብ አፍ ክርስቶስ ካብ ሕይወቱ - ካብ ተግባራቱ ወይ ካብ ሕሹኽታ መንፈስ ቅዱስ ዝተማህርዎን ዝተቐበልዎን ኩሉ፡ ቃል ትምህርቶምን ስብከተምን ይህብዎ ብዝነበሩ አብነቶምን፡ ብዝተኸልዎ ሥርዓታቶምን ሓዋሪያት ከመሓላልፍዎ ተረኽቡ። ብጽሑፍን - ሓዋሪያት ባዕላቶም፡ ካልኦት መሳርሕቶምን እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ብዘስተንፈሰሎም ነቲ መልእኽቲ ድኅነት አብ ጽሑፍ ከስፍርዎ ከአሉ። ምሉእን ሕያውን ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዓቂቡ ምእንቲ ክነብር፡ ሓዋርያት ንኣቡናት ተካእቶም ገዲፎም። ናይ ምምሃር ስልጣኖም ሂቦሞም። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍሉይ መንገዲ ተገሊጹ ዘሎ ስብከት ሓዋርያት፡ ብቀጻሊ ናይ ተካእትነት ሰንሰለት ክሳብ መወዳእታ ጊዜ ክዕቀብ ኣለዎ። ሓድነት ቤተክርስቲያን - ከምቲ አነን ንስካን ሓደ ዝኾና ………. ቤተ ክርስቲያን መአዳ ሰሪዓ ትምግበና - ምስጢራት ተሳትፈና። ስለዚ መላእ ቤተክርስቲያን አመንቲ ንቅዱስ ትውፊትን - ንቅዱስ መጽሓፍን ብእኡ ክትምራሕን ትሕዝቲ ኢያ። “እቲ ንአኻትኩም ዚሰምዕ ንአይ ኢዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንዓይ ዝንዕቕ ከአ ነቲ ዝለአከኒ ኢዩ ዚንዕቕ”። ሉቃ.10:16 “እዚ ኸምቲ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሓዋሪያት ነቢያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ወለዶ ደቂ አዳም አይተገልጸሎምን” ኤፌ.3:5 ስለዚ “ሓቅታት እምነት ብቐዳምነት ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኢዩ ተዋሂቡ” ንሳቶም ምስ ክርስቶስ ኮይኖም ኢዮም መሰረት ቤተ ክርስቲያን ዘቑሙ” “ እምበአር ንስኻትኩም አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ ምአዝኑ ዝኾነ መሠረት ለቢያትን ሓዋሪያትን ዝተነደቕኩም፣ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንአምላኽን ኢኹም እምበር፥ አጋይሽን ወጻእታኛታትን አይኮንኩምን” ኤፌ.2:20 ቤተ ክርስትያን ኣብ ትምህርቲ እምነታን፡ ሕይወታን፡ ኣብ ስርዓት ኣምልኾኣን፡ ኩሉ መንነታን፡ ኩሉ እትኣምኖን፡ ብትውፊት ናብ ኩሉ ወለዶታት
ተመሓላልፍ። ካብ ሓዋርያት ናብ ተካእቶም ዝመሓላለፍ ትምህርቲ፡ ሕያው ትውፊት ይበሃል። ቅዱስ ትውፊት ክፍሊ መንነትን - ሕይወትን - እምነትን ቤተ ክርስቲያን ኢዩ። አብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርከብን ብኹላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ቅቡልን ኢዩ። ሎሚ እግዚአብሔር አምላኽና ብመንገዲ መርዓት ፍቁር ወዱ ቀጻሊ ንነፍሲ ወከፍና ይዛረበና። እቲ ሕያው ዝኾነ ጽምጺ ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ አባናን ኣብ ምሉእ ዓለም ምእንቲ ድሕነት ሰብ ይቃላሕ። መንፈስ ቅዱስ ከአ ነቶም ዝአመኑ ናብ ምልኣት ሓቂ ገጹ ይመርሖም። ንቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ኩሉ ጸጋታቱ ኣብኦም ከም ዝሓድር ይገበር። ቅዱስ መጽሓፍ ቅድሚ ኩሉ ቅዱስ መጽሓፍ ሓልዮት ዚመልኦ ናይ እግዚኣብሔር ታሪኽ - ግልጸት ዝሓዘ ጽሑፍ ንቤተክርስትያን ዘቅርብ ኢዩ። ከምቲ አብ ዝሓለፈ ትምህርትና መጽሓፍ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን - መጽሓፍና ኢዩ። ሓደ ቅዱስ ኮይኑ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ይገልጽ። ከም ጽሑፍ መጠን ነቲ ካብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔር ብኣዘራርባ ደቂ ሰብ ዘቅርብን ናይ ጽሓፊኡን ናይ ኅብረተሰቡን ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቅን ዚምስክርን ኢዩ። ቅ.መጽሓፍ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ኢዩ። ምኽኒያቱ፡ ብአስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ፡ ደራሲኡ ባዕሉ እግዚአብሔር ብርእሱ እዩ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ኢዩ፡ ካብኡ ከኣ ቀጻሊ ምግብን ሓይልን ንረክብ። ኣምላኽናውን ንነፍሲ ወከፍና በዚ ቅዱስ መጽሓፍ ገይሩ ብፍቅሪ ክረኽበናን ክዛረበናን ይመጽእ።
ቤተ-ያን ኣብ እምነት ሓዋርያት ተመርኲሳ፡ ንመጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን፡ ብምሉኡን ምስ ኩሉ ክፋላቱን፡ ከም ዝተቀደስን ቀኖናውን ትቅበሎ። ምኽኒያቱ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፍሶ ስለ ዝተጻሕፈን፡ ደራሲኡ ኣምላኽ ስለዝኾነን። ኣምላኽ ነዚ ቅዱስ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ሰባት ይመርጽ። በዞም ሰባት ከኣ ይሰርሕ። ንሳቶም ከኣ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኩሉ ኣምላኽ ዘተንፈሰሎም ክጽሑፉ ተረኽቡ። ነዚ ከኣ ንሕና ነቲ እግዚኣብሔር ብደቂ ሰባት ብኣተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝጸሓፎ ብእምነት ክንቅበል ይግበኣና። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምእንቲ ክንርዳእ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣእምሮና ከብርሃልና ኣለዎ። እዚ ማለት ቅ. መጽሓፍ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተጻሕፈ፡ ብቅኑዕ ምእንቲ ክትንተን ብደራሲኡ ዝኾነ፡ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንበብን ክትንተንን ኣለዎ። መደብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኢልካ፡ ንምጽኣት ክርስቶስ ከሰናዱን፡ ብትንቢታዊ መልክዕ ከበስርን ዝዓለመ ኢዩ። መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ናይ ኣምላኽ ዘድሕን ፍቅርን፡ ናይ ምሉእ መለኮታዊ ትምህርቲ ምስክር ኢዮም። ብዛዕባ ኣምላኽ ልዑል ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ሕይወት ሰብ ቅኑዕ ፍልጠትን፡ ዘደንቅ መዝገብ ጸሎታትን ዝሓዙ ኢዮም። ብሕቡእ መንገዲ ምስጢር ድሕነትና ኣብኦም ኣሎ። ብዙኅ ሕዝቢ ቃል አምላኽ ኪሰምዑ እናተደፋፍኡ ኸለዉ፥ ኢየሱስ አብ ገምገም ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። ሉቃ.5.1 ነቲ ብዛዕባኡ አብ ኩሎም ጽሑፋት ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ኩሎም ነቢያትን ኂዙ ኸአ ኪትርጉመሎም ጀመረ። ሉቃ. 24.2 ርክብ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ርክብ ቅዱስ ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን እንክገልጽ ከምዚ ዝስዕብ ይብለና፦ “ቅዱስ መጽሓፍን ቅዱስ ትውፊትን ነንሕድሕዱ ብጽኑዕ ዝተአሳሰረን ዝራኸብን ኢዩ። ምኽኒያቱ፦ ክልቲኡ፦ ካብ
ሓደ ሓባራዊ መለኮታዊ ምንጪ .. ዝፍልፍል ብምኻኑ፡ ክልቲኡ ዳርጋ ሓደ ኢዩ” ናብ ሓደ ዕላማውን ዘምርሕን ኢዩ። ንሓድሕዱ ብጽኑዕ ዝተኣሳሰርን ዝራኸብን ኢዩ፡፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ናይቲ ኩሉ “እንሆ አነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኩሉ መዓልቲ ምስኻትኩም አለኹ” እናበለ ንተኸተልቱ ቃል ዝኣተወ ምስጢር ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበርን ዝፈርን ይገብር። ቅ. መጽሓፍ – ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ትውፊት – ንሓዋርያት ዝተዋህበ ቃል ኣምላኽ ብምልኣት የመሓላልፍ። ትውፊት ንቃል ኣምላኽ፡ ናብ ተኸተልቲ ሓዋርያት (ኣቡናት) የመሓላልፎ። ቤተ ክርስትያን ግልጸት ኣምላኽ ናይ ምትሕልላፍን ምትንታንን ሓላፍነት ተቀቢላ። ርግጽነታ ናይ ምሉእ ዝተገልጸ ሓቂ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝመጽእ። ክልቲኦም ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ብማዕረ መንፈሳዊ ስምዒትን ክብርን፡ ተቀባልነትን ክረኽቡ ኣለዎም። “ንሱ በቲ ንሕና ዝሰበኻናዮ ወንጌል ጸዋዕኩም። እምበር አቱም አሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ነቲ ብቃል ኮነ – ብመልእኽትና ማለት ብጹሑፍ ዝመሃርናኩም ከአ ኃዝዎ” 2ተሰ.2:14-15 “ከምቲ ዝመሃርኩኹም ገቢርኩም ነቲ ትውፊት ስለ ዘጽናዕኩምዎ ኣመስግነኩም ኣለኹ” 1ቆሮ. 11:2 አብ ካልአይ ጢሞቴዎስ “ነቲ ካባይ ዝሰማዕካዮ ቅኑዕ ትምህርቲ {በቲ ጽሒፈ ዘረከብኩኻ ጥራሕ አይበለን} ከምምሳሌ ጌርካ ሓዞ፡ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት ፍቕርን ከአ ንበሮ” 2ጢሞ1.13-14 “ ነቲ አብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክር ካባይ ዝሰማ ዕካዮ ነገር ካል ኦት ኪምህሩ ንዝከአሎም እሙናት ሰባት ኅድሪ ሃቦም” 2ጢሞ.2:2
“ካብቲ በቲ ካባና ዝተቐበልኩምዎ ትውፊት ምኻድ ገዲፉ፡ ብትህኪት ዚነብር ኃው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና” 2ተሰ.3:6 “ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ አሎ። ኩሉ ብብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፥ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኹሉ እዚ ዓለም እካ አይምአኸሎን ይመስለኒ”። ዮሓ.21:25 በዚ ምኽኒያት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብንጹር “ቅዱስ ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን ንቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ዝተዋህቡ ናይ ቃል እግዚአብሔር ቅዱሳት መዛግብቲ ኢዮም። እቲ ቅዱስ ሕዝቢ ብምልኡ ከአ ንአኦም አጽኒዑ ብምሓዝ ምስ ጋሶቱ ሓደ ኮይኑ፡ አብቲ ትምህርቲ ሓዋሪያትን፡ አብ ሱታፌ ሓድሓድን፡ አብ ምቕራስ ኅብስትን አብ ጸሎትን፡ ወትሩ ጽኑዕ ኮይኑ ይርከብ። ግ.ሓ.2:42 ስለዚ ናይቲ ብጽሑፍ ኮነ ወይ ብትውፊት ዝተመሓላለፈ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ሓቀኛ ትርጉሙን መልእኽቱን ንምሃብን ንምትሕልላፍን ሓላፍነት ዘለዎም ናይ ቤተ ክርቲያን መራሕቲን ወይ መማህራን ሃይማኖት ኢያቶም። መራሕቲ ቤተክርስቲያን ክንብል ከለና - እቶም ተቐበልቲ ሓደራ ናይ ሓዋሪያት ዝኾኑ፤ ምልአት ክህነት ዘለዎም፡ በቲ ዝተቐበልዎ መንፈስ ቅዱስ ከአ “ መሃርቲ” አረምቲ” “ተርጎምቲ” ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዓንቀጽ እምነትን” ምልክት ሓድነትን፡ ዓቀብቲ ሓቀኛ እምነትን ንኽኾኑ ፍሉይ ናይ ምምሃርን ምምራሕን ሓላፍነት ዘለዎም አቡናት ማለትና ኢዩ፡ እዞም መማህራን ሃይማኖት እዚኦም ግና ንርእሳቶም አገልግለቲ ቃል እግዚአብሔር ደአምበር አብ ሊዕሊኡ አይኮኑን። ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ኢዩ ሓደ ምንጪን ግልጸት እግዚአብሔርን ዝብል ሓሳብን ትምህርትን ግጉይ ሓሳብን ትምህርትን ምኻኑ ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ኣበሃህላዚ ንቅዱስ ትውፊትን ንስልጣንን ሓላፍነትን ቤተ ክርስቲያን ንምንጻግ
ዝዕላማኡ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድኅሪ መበል 15 ክፍለ ዘመን፤ ካብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ዝተፈለዩ ሰባት ዘበገስዎ ትምህርትን ሓሳባትን ኢዩ። ሓደ ካብቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዘስፍሑ ከአ እቲ ካቶሊካዊ ፈላስን ካህንን ዝነበረ ማርቲን ሉተር ኢዩ። ነቲ ብክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ቀጺሉ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝተዋህበ ሥልጣንን ሓላፍነትን ዝተዋህበ ሓደራ፡ ንኹሉ ከምዝተዋህበ፡ ንቃል አምላክ ዝኾነ ሰብ አንቢቡ ከም ዝመሰሎ ክትርጉሞን ክርድኦን ይኽእል ኢዩ ዝብል ኢዩ። አብ ዓለምና፡ሓደ ደረትን ቕጥዕን ዘይብሉ፤ አብ ርእይቶ ግለ ሰባት ዝምርኮስ ፡ ብዊንታ ግለ ሰባት ዝምራሕ፡ ቁጽሪ ዘይብሉ እምነታት ወይ ማሕበራት ክርስቲያን ንክምዕብል ወይ ክፍጠር ዓቢ ምኽኒያት ኮነ፡ ዓለምና ከአ ብዙኃት ናይ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ መዓልታዊ ዝውለዱ ጉጅለታት ትናወጽ አላ። ክርስትና ግና ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበ መለኮታዊ ግልጸትን፡ ክቡር ናይ ሓደራ ህያብ አምላኽን እምበር፡ ደቂ ሰባት ከከም ድላዮም ነናብ ዝደልዩዎ ዝጥምዝዝዎ ጶለቲካዊ ስነ-ሓሳብ አይኮነን ይብሉ – አባ ተኽለሚካኤል ተወልደ አብቲ መሰረታዊ ትምህርተ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብል ጽሑፎም። ንአብነት፡ አብ ዮሓ. 5፡39 “ ዘለዓለም ሕይወት አብአተን እትረኽቡ መሲሉኩም ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትምርምርወን አለኹም” ነዚ ሕሳብ እዚ ከምዚ እንዳበሉ የቕርብዎ ወይ ይምህርዎ፦ “ካብተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥራሕ ክርስትያናዊ ሓቅታት ክትረኽቡ መርምርወን” ከምዝብል ጌሮም የቅርብዎ። ኣብዚ እንዛረበሉ ዘለና ትውፊት ካብ ሓዋርያት ዝመጽእ ትውፊት ኢዩ፡ ሓዋርያት ካብ ትምህርትን ኣብነትን ኢየሱስን፡ ካብ ትምህርቲ መንፈስ ቅዱስን ዝተቀበሎን ናብ ካልኦት ዘመሓላለፍዎን ኢዩ።
ቀዳሞት ወለዶ ክርስትያን፡ ዝተጻሕፈ ሓዲስ ኪዳን ኣይነበሮምን። ሓዲስ ኪዳን ንባዕሉ ናይዚ ሕያው ትውፊት መስርሕ የርኢ። ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ክርስትና ቅድሚ ኩሉ ሕይወት ኢዩ። ብሕይወት ከአ ይመሓላለፍ ነበረ። ጽሑፍ ሓዲስ ኪዳን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሕይወት ክርስትና ይመሓላለፈን ይስበክን ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ባዕሉ ኣገልጋሊትን መጋቢትን ቃል ኣምላኽ ንክትኸውን አብዚ ምድሪ እዚ ዝመስረታ ኢያ። ነቲ ዝተቀበለቶ ሓቂ ጥራይ ከኣ ትምህር። ብመለኮታዊ ትእዛዝን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስን፡ ንቃል ኣምላኽ ጽን ኢላ ትሰምዕ፡ ብተወፋይነት ትሕሉ፡ ብተኣማንነት ከኣ ትትንትኖ። “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ነኣይ ኢዩ ይሰምዕ” ዝብል ንሓዋርያት ዝተባህለ ቃል ክርስቶስ ብምዝካር፡ ኣመንቲ ነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለይ መልክዕ ካብታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲስን ንዝህበና ትምህርትን መምርሒታትን ብምእዙዝነት ተቐቢላን ክንጎዓዝ ይግበአና። “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ፤ አብ ልዕሊዚ ከውሒ እዚ ከአ ንቤተክርስቲያነይ ክሓንጻ ኢየ . . . መፋትሕ መንግሥተ ሰማያት ድማ ክህበካ እየ። አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ፤ አብ ሰማይ እሱር ክኸውን ኢዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ከአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኺከውን ኢዩ” ማቴ.18፡ 18 ሰለስተ ዝተፈላለየ ደረጃታት ትውፊት ከምዘሎ ምፍላጥ የድሊ፦ ቅዱስ ትውፊት ወይ ሓዋሪያዊ ትውፊት [Apostolic Tradition] ድኅሪ ሓዋሪያዊ ትውፊት [Post-apostolic tradition] ቤተ ክርስቲያናዊ ትውፊት [Ecclesial traditi ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት አብያተ ቤተክርስቲያን አብ መጀመርያ ሓደ ሥድራን ሓንቲ ቤተክርስቲያንን ከምዝነበራ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስቲያናት ኩለን እካ ምስራቓውያን እንተኾና፡ ብሓፈሻ አብ ክልተ ይኽፈላ። እተን ነተን ቀዳሞት ሠለስተ ኃባራዊ ጉባኤታት፡ ጉባኤ ንቅያ - 325 ዓ.ም - ጉባኤ ቁስጥንጥንያ - 381፡ ጉባኤ ኤፌሶን ዝቕበላ - 431
- ብዛዕባ አደ አምላክ፡ ንጉባኤ ኬልቄዶን 451 ዓ.ም ጊና ንጸጋ አቐዲመን ዝተፈለያ ጥንታውያን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን አብያተ ክርስቲያናት ተባሂለ ዝስመያ ኢየን። {Old Oriental Orthodox Churches} እዘን አብያተ ክርስቲያን እዚአን ምሉእ ርእሰ ምሕደራ ዘለወን አብ መንጎ አን’ውን መጠነኛ ኅብረት ዘለወን ኢየን። ናይ አርመንያ፡ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ምስአን’ውን ያዕቆባዊት ሶርያዊት ቤተክርስቲያን፡ ናይ ህንዲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፡ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፡ ኢትዮጵያዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፡ ኤርትራዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኢየን። እተን ካልአይ ጋንታ ምስራቃዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን {Eastern Orthodox Churches) ዝበሃላ ከአ እተን ሾብዓተ ቀዳሞት ኃባራዊ ጉባኤታት ቤተክርስቲያን ዝቕበላ ኮይነን፡ አብ ራሻ፡ ግሪኽ፡ ምስራቕ ኤውሮፓን ማእከላይ ምስራቕን ዝርከባ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያኒየን እየን። ቅዱስ ጉሮጎሪዮስ ዓብይ ንተዮዶሮ ዝተባህለ ናይ ንጉሥ ሓኪም ብዛዕባ ቅዱስ መስሓፍ እንክገልጸሉ፦ “ቅዱስ መጽሓፍ እንታይ ዲዩ፧ ካብቲ ከአሊ ኩሉ አምላኽ ንፍጡራቱ ዝተላእከ መልእኽቲዶ አይኮነን፧ እቲ ንጉሥ ሰማይ፥ እቲ ጎይታ ዓሌት ደቂ ሰብን መላእኽትን፡ ምእንቲ ብሕይወት ክትነብርን ….. ክተናዲዮን መልእኽቱ ንዓኻ ሰዲዱልካ፡ ስለዚ መዓልቲ መጸ አብ ልዕሊ ቃላት ፈጣሪኻ ክተስተንትን እልምነካ አለኹ” ይብሎ። ቀጺሉውን “ንገጽ ፈታሪኻ አብ ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ አናድዮ” ቅዱስ ጉሮጎሪዮስ ዓብይ ከም መዛዘሚ ገለ ነዚ ትምህርትና ዝሕግዙ ጠቕስታት ክንጠቅስ፦ “ንሱ በቲ ንሕና ዝሰበኻናዮ ወንጌል ጸዋዕኩም። እምበር አቱም አሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ነቲ ብቃል ኮነ – ብመልእኽትና ማለት ብጹሑፍ ዝመሃርናኩም ከአ ኃዝዎ” 2ተሰ.2:14-15
“ከምቲ ዝመሃርኩኹም ገቢርኩም ነቲ ትውፊት ስለ ዘጽናዕኩምዎ ኣመስግነኩም ኣለኹ” 1ቆሮ. 11:2 አብ ካልአይ ጢሞቴዎስ “ነቲ ካባይ ዝሰማዕካዮ ቅኑዕ ትምህርቲ {በቲ ጽሒፈ ዘረከብኩኻ ጥራሕ አይበለን} ከምምሳሌ ጌርካ ሓዞ፡ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት ፍቕርን ከአ ንበሮ” 2ጢሞ1.13-14 “ ነቲ አብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክር ካባይ ዝሰማ ዕካዮ ነገር ካል ኦት ኪምህሩ ንዝከአሎም እሙናት ሰባት ኅድሪ ሃቦም” 2ጢሞ.2:2 “ካብቲ በቲ ካባና ዝተቐበልኩምዎ ትውፊት ምኻድ ገዲፉ፡ ብትህኪት ዚነብር ኃው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና” 2ተሰ.3:6 ዮሓ. 5፡39 “ዘለዓለም ሕይወት አብአተን እትረኽቡ መሲሉኩም ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትምርምርወን አለኹም” ነዚ ሕሳብ እዚ ከምዚ እንዳበሉ የቕርብዎ ወይ ይምህርዎ፦ “ካብተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥራሕ ክርስትያናዊ ሓቅታት ክትረኽቡ መርምርወን” ከምዝብል ጌሮም የቅርብዎ።