...
Fr. Hagos Tesfagabir
July 3, 2026

ምሕረትን ይቕረታን

July 3, 2026
Homilies Gospel Mathew Church Teachings
...
July 28, 2026
Read 27
0
0
0

“ምሕረትን ይቕረታን” ማቴ. 18.21-ፍ

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሽብዓተዶ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደአ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ አይብለካን” በሎ። ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ምስ አገልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ አምጽእሉ። ዝፈድዮ ምስ ሰአነ ግና እቲ ጎይትኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ኹሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኪኸፈል አዘዘ። እቲ አገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ “ጎይታይ፥ ተዓገሰኒ ደአ እምበር ኩሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። እቲ ጎይታኡ ድማ ነቲ አገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፥ ዕዳውን ኅደገሉ። እቲ አገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ አገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ ‘ አባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ’ ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ። ሽዑ እቲ ብጻዩ አገልጋሊ ‘ ተዓገሠኒ፥ ኩሉ ክፈድየካ እየ’ እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፥ ከይዱ ድማ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈድዮ አእሰሮ። እቶም ብጾቱ አገልገልቲ ድማ እቲ ዝገበሮ ነገር ርእዮም አዝዮም ጎሃዩ፥ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ኹሉ ነገር ንጎይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጎይታኡ ጸዊዑ ‘አታ ሕሱም አገልጋሊ፥ አነ ስለ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ኃደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ አነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ክትምሕሮ አይምተገበአካን፧’ በሎ። ጎይታኡ ኸአ ተቖጢዑ ኩሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ አኅሊፉ ሃቦ። እምበአር ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃደገሉ፥ ሰማያዊ አቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”ማቴ. 18.21-ፍ

አስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ምሕረትን ዕርቅን ይዛረብ። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብቲ ናይ መድኃኒን ኢየሱስብ ክርስቶስ ትምህርቲ ብዛዕባ ምሕረትን ዕርቅን ተበጊሱ ከምዚ እናበለ ንክርስቶስ ጎይቱኡ ኪሓትት ይርከብ። “ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሽብዓተዶ፧ በሎ:፡

አብ መዓልታዊ ክርስቲያናዊ ሕይወትና፡ አብ ሓዳርና፡ አብ ስራሕና፡ ምስ ጎረባብትና ዘለና ርክብ ወዘተ ኩሉ ግዜ ገለ ዘየሰማምዕ ነገራት ከጋጥመና ናይ ግድን እዩ። ብዙሕ ግዜውን ሰባት ክብዱሉና ይኽእሉ እዮም። ሕማቕ ኪፈዱዩና ይኽእሉ እዮም፡ ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ክንሓቶ ዝግበአና “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓዶ” ይምሕር ይቕረ ይብል ዝብል እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ግዜዶ እምሕር ይቕረ እብል።

“ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሽብዓተዶ፧ ኢሉ ሕቶ ምስ አቅረበሉ ። ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደአ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ አይብለካን” በሎ።

ሽብዓተ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምልኣት የስምዕ። ክርስቶስ ግና “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደአ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ አይብለካን” እናበለ ምሕረት መዓቀኒ ግዜን ከምዘይብሉ ይምህሮ፡ ማለት ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና መዓልታዊ ክንምሕር ከምዘለና ይምህረና።

“ምስትውዓል ንሰብ ዓቃል ይገብሮ፡ ምኅዳግ በደል ከአ፡ ክቡር ይገብሮ” ምሳሌ 19:11 ይብል መጽሓፍ ምሳሌ 19:11 ምሕረት ምሃብ ማለት እምበኣር ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ነገር ምስዓር ማለት ኢዩ።

ቅዱስ ቶማስ አኪነስ ፦ ሓይሊ አምላኽ ልዕሊ ኹሉ፡ አብቲ ተግባር ይቕረትኡን አተቓቕማ ምሕረቱን አርእዩና ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሉ አብቲ ብነጻ ዝሃበና ምሕረት ገሊጹልና” እናበለ ይዛረብ።

ንሕና ካብቲ ልዑል ኣምላኽ ምሕረት ስለዘድሊየና ክንምሕር ይግበኣና፡፡ እንተ መሓርና ኢና እንመሓር፡ ምሕረት እንቕበል። ከምቲ እግዚኣብሔር መዓልታዊ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩ ተደሪኹ ዝምሕረና ንሕናውን ንሓውና ኃፍትናን ክንምሕር ትሑዛት ኢና።

ክርስቲያናዊ ሕይወትና ጠባያትና ብመንፈስ ምሕረት ክግዛእ የድሊ። አብ ዕብራውያን “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ” ኩሉ ግዜ ዝብል ቃል የስምዕ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ክንምሕር ሎሚ ክርስቶ ጎይታና ብቃል ሓዋሪያቱ ይዕድመና አሎ።

መንግሥተ ሰማያት ምስ አገልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ አምጽእሉ። ዝፈድዮ ምስ ሰአነ ግና እቲ ጎይትኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ኹሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኪኸፈል አዘዘ።

እቲ አገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ “ጎይታይ፥ ተዓገሰኒ ደአ እምበር ኩሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። እቲ ጎይታኡ ድማ ነቲ አገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ። አብዚ ቃል እዚ እቲ ንጉስ ወይ ጎይታ ዝብሎ ዘሎ ነቲ ሰማያዊ አምላኽና ኢዩ።

ንሱ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብንገብሮ ተግባራት ክፈርደና ምኻኑ የረድአና፤ እቲ ብሓቂ ግድልነቱ ሕማቕ ተግባራቱ ተአሚኑ አብ ቅድሚ ጎይታ ቀሪቡ “ ኦ ጎይታይ ተዓገሰኒ መሓረኒ ይቅረ በለለይ እናበለ ዝልም ዝምብርከኽን ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ክቕበል ኢዩ።

እግዚአብሔር አምላኽና ፈቃር አምላኽ ኢዩ፡ ዝምሕር አምላኽ ኢዩ፡ ምሕረቱ መውዳአታ የብሉን፤ ካብቲ ኃጢአትና ምሕረት አምላኽ ይዓቢ። ብጉድልነትና ተአሚና ግና አብ ቅድምኡ ክንቀርብ ይግበአና።

እቲ ብጎይትኡ ምሕረት ዝጠቐበለ አገልጋሊ ግና ነቲ ‘ ተዓገሠኒ፥ ኩሉ ክፈድየካ እየ’ እናበለ ተደፊኡ ዝለመኖ ሓዉ ብጻዩ ክድንግጸሉን ክምሕሮን አይተረኽበን። እዚ ተግባራት እዚ ሎሚ አብ ሕይወትና ዘጋንፈና ሓቂ ኢዩ።

ንሕና ከምቲ ቀዲምና ዝበልናዮ ካብቲ ብኃጢአትና ኩነኔን ሞትን እካ ይግበአና እንተኾነ እግዚአብሔር አምላኽና ግና ፈቃር አምላኽ ስለዝኾነ ብምሕረቱ ብሕይወት ከም እንመላለስ ይገቢር።

ከምቲ ንሕና ካብ እግዚአብሔር ምሕረት እንቕበል ንኅዋትና ክንምሕር ንጽዋዕ። እምበአር ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃደገሉ፥ ሰማያዊ አቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

እቲ እንህቦ ምህረት ሓቀና ምሕረት ክኸዊን አለዎ። ካብ ልቢ ዝነቐለ ምሕረት ይቕረታ ክኸዊን አለዎ። አብቲ መዓልታዊ እንደግሞ ጸሎትና “ንሕና ንዝበደሉና ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” እናበልና ኢና እንጽሊ።

”ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝኾነ ንስኻትኩም ከኣ ርሕሩሓት ኩኑ” ሉቃ፡ 6፡36 ዝብል ቃል ወንጌል እንዳስተንተና፡ ኣብ ምሕረትን ዕርቅን ክንመላለስ እቲ ግዜ ሕጂ ኢዩ።

ኣብ ሕይወትና ምሕረት ምዝውታር ማለት ምስ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣሕዋትናን ዕርቂ ምዝውታር ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ንስሓ መወዳእትኡ ምሕረት ኣምላክ ምርካብ ስለዝኾነ።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ሎሚ አብ ስድራቤታት አብ አኅዋት አኃት ሰላምን ፍቅር ዝጎድል - ስድራቤታት ዝፈላለያ እዚ ቃል አምላኽ አብ ግብሪ ስለዘይውዕል እዩ። ስድራቤት ይቕረታን ምሕረትን ዘይተዘውትር እንተኮይና ነዊሕ አይተጎዓዝን።

እንተተጋዕዘት ከአ መቐረት ወይ ትርጉም ዘይብሉ ሕይወት ትነቢር፡ ስለዚ ነቲ አብ መንጎ ስድራቤት አኅዋት አኃት ጎረባብቲ ዝፍጠር ዘይምስምማዕ አቀዲምካ አብዚ ቃል አምላኽ መሰረት ብምግባር ናይ ዕርቂ፡ ናይ ምሕረት መስርሕ የድሊ። ብምሕረትን ይቕረታን ክፍወስ የድሊ።

አብ ይቕረታን ምኅረትን ዘይመላለስ ሰብ ብሓቂ እንታይነቱ ዘይፈልጥ እዩ። ንሱውን በደለኛ ምኻኑ ዘይቅበል እዩ። ንገዛእ ርእሱ ክፈልጥ ክጥምት ዘይክእል ሰብ እዩ። ነዚ ቃል አምላኽ ብዝግባእ ዘየስተማቀረ፡ ምሓረት አምላኽ ዘይተረድአ ኢዩ።

አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንሓን ነፍሲ ወከፍና ዕዳ አለና ክንከፍሎ ዘለና፡ እዚ ነሕዋትና ይቕረ ብምባልን ምሕረት ብምሃብን ኢና እንኸፍሎ።

ስለዚ አብ ስድራቤታትና፡ ምስ አኅዋትናን አኃትናን ጎረባብትናን አብ ስራሕናን ብሰላም ንኽንነብሪ ናይ ምሕረት ስራሕ ክንሰርሕ ይግበአና። ንኹሉ ይቕረ ክንቢ ይግበአና።

አብ ሰባት በቲ በደሎም ጌጋታቶም ክንፈርዶም ዘይኮነስ፡ እንታይ ደአ አብኦም ኩሉ ግዜ ሰናይ ክንርኢ ክንፍቲን ይግበአና። ብዙሕ ግዜ አብ ሰባት እቲ ደጋዊ ተግባራቶም ኢና እንርኢ - እዚ ጊና ነቲ ውጣታዊ እንታይነቶም ዝገልጽውን አይኮነን። አብ አቶም ሕማቕ ነገራትውን ክንርትኢ ንኽእል ኢና፡ ከምቲ ቅድስቲ በርናርዲና ከምዚ እንዳበለት ፦ “ አይትፍረዶም እንታይ ደአ ብውሽጥኻ ይቕረ በለሎም’ ትብለና።

Aba Hagos Teesfagabir