ተመሊሶም ከይነኽሱኹም፥ ቅዱስ ነገር ነኽላባት አይትሃቡ

ተመሊሶም ከይነኽሱኹም፥ ቅዱስ ነገር ነኽላባት አይትሃቡ፥ በእጋሮም ከይረግጽዎ ድማ ሉልኩም አብ ቅድሚ ሓሳሙ አይትደርብዩ። እምበአር ሕግን ነቢያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደሊይዎ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
“በታ ጸባብ አፍ ደገ እተዉ፥ እታ ናብ ጥፍ አት እትወስድ አፍ ደገ ር ሕብቲ፥ መገዳውን ገፊሕ እዩ፥ እቶም ብእአ ዚአትዉ ድማ ብዙኃት እዩም። እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ግና ጸባብ እያ፥ መገዳውን ቐጢን እዩ፥ እቶም ዚረኽብዋ ኸአ ውሑዳት እዮም።
አስተንትኖ
እምበአር ሕግን ነቢያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደሊይዎ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብቲ ናይ ትማሊ ቃል አምላክ (7,1-5): ብዛዕባ ርክብ አኅዋት ክገልጽ ከሎ “ከይፍረደኩም አይትፍረዱ” እናበለ ይምህር። በዚ ቃልን ትእዛዝን ከአ እቲ ናይ መጨረሽታ ስልጣን ፍርዲ ናይ አምላኽ ምኻኑ ይገልጽን ይምህርን።
አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ “ ተመሊሶም ከይነኽሱኹም፥ ቅዱስ ነገር ነኽላባት አይትሃቡ፥ በእጋሮም ከይረግጽዎ ድማ ሉልኩም አብ ቅድሚ ሓሳሙ አይትደርብዩ። አብቲ ግዜ ዘቲ አክላባት ብዙሕ ተቀባልነት ከምዚ ሎሚ አይነበሩን። አብ አብ ዕብራውያን ሓሰማታት ዘይንጹሓት ዝሕሰባ እንስሳታት ኢየን። አካልብ ክብል ከሎ ቃል ወንጌል ንሞራላዊ ሕይወት ዝምልከት ኢዩ። ነቶም ሕይወቶም ብሓጢአት ዘባላሸዉ የመልክት። " ጸላእተይ ኸም አኽላባት ከበቡኒ፥ ገበርቲ እከይ ተአኪቦም አማእከሉኒ፥ አእዳወይን አእጋረዪን ከአ ሸንከሩኒ” ንኹሉ አዕጽምተይ ኽቖጽሮ እኽእል እየ፥ ጸላእተይ ይጥምቱኒንን ይዕዘቡንን አለዉ። ጎይታይየ፥ ንስኻ ግና ኻባይ አይትርሓቕ፥ ንስካ ኃይለይ ኢኻ ፥ ንምርዳአይ ቐልጢፍ። ካብ ገበርቲ እከይ አናግፈኒ፥ ካብ ቀተልቲ ሰብውን አድኅነኒ። ( 2-8). "ብዝተረፈ አኅዋተይ፥ ብጎይታ ተሓጎሱ። ብዛዕባዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ክጽሕፈልኩም ንአይ አይጽልአንን እዩ። ንአኻትኩም ከአ ንረብሓኹም እዩ። ካብቶም አኽላባት ተጠንቅቑ። ካብቶም ገበርቲ እከይ ተጠንቅቑ” ፈልጵስዮስ 3,1-2. ኢየሱስ ከአ “ እንሆ፥ ቐልጢፈ እመጽእ አሎኹ፥ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ አሎ። አልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳኅራይን፥ መጀመርታን መወዳ እታን አነ እየ። “ናብታ ኸተማ ብአፍ ደጌታታ ምእንቲ ኺትውን አብታ ኦም ሕይወት መሰል ምእንቲ ኺርኽቡን፥ እቶም ክዳውንቶምን ዚሓጽቡ ብፁዓን እዮም፡፤ እቶም አኽላባት ንጠንቆልጥን አመንዝራታትን ቀተልቲ ሰብን መምለኽቲ ጣዖታትን፥ ኩሎም እቶም ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ግና ኻብታ ኸተማ ወፃኢ እዮም። ራእይ 22,12-15. አብዚ “ተመሊሶም ከይነኽሱኹም፥ ቅዱስ ነገር ነኽላባት አይትሃቡ፥ በእጋሮም ከይረግጽዎ ድማ ሉልኩም አብ ቅድሚ ሓሳሙ አይትደርብዩ” እናበለ እቲ አይሁዳውያን አብ መዓልቲዊ ሕይወቶም ዝጥቀሙሉ አበሃህላ ብምጥቃም - መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ስብከተ ወንጌል ሓደ አብ ም ዕዳል ምስጢራትን ወይ መጋበሪ ድሕነትን ምርጫ ክንገቢር ከምዘለና ይምህረና።
ቤተክርስቲያን ነዚ ካብ መጀመርታ ሰሪሓትሉ ኢያ። ብፍላይ አብ ብዕዳል ምሥጢራት ብፍላይ ምስጢረ ቁዱስ ቁርባን - ሉልኩም ወርቂ ግና አብቲ ግዜ እቲ ትምህርቲ እቶም ጥበኛታት የስምዕ ነበረ። ወይ ከአ ትርጉም ናይቲ ንሳቶም ቶራህ ኢሎም ዝጽውዕዎ ነበረ። አብ ወንጌል ማቴዎስ እንተረአና ነቲ መንግስተአ አምላክ ንምግላጽ ከምዚ እንዳበለ ይጽሕፍ፦ “ ከምኡ ድማ መንግስተ ሰማያት ክቡር ዕንቁ ዜናዲ ነጋዳይ ሰብ እሞ፡፤ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቁ ምስ ረከበ ከይዱ ዘለዎ ኹሉ ሸይጡ ዚዕድግ ትመስል። ማቴ. 13,45 ንመንግስተአ ሰማይ ብዑንቂ ይምስላ። እምበአር ሕግን ነቢያትን እዚ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደሊይዎ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።። ወርቃዊ ሕጊ ተባሂሉ ይጽዋ ዕ። እዚ ምስ አኅዋትና እንታይ ዓይነት ህይወት ዝምድና ክህልወና ከምዘለዎ ይምህረና፤፡ ንኅዋትና ብዘይ ቅድመ ኩነት ክንቅበሎም ይ እዝዘና። ጉዑዞ ሕይወትና ክርስትና ሕይወትና ክልተ መንገዲ አለዋና። እተን ክንከደን ክንጎየለን ዘለና መንገዲ ክልተ ኢየን። እዘን መንገዲ እዚአተን ከአ ናብ ዝተፈላለየ አድራሻ ይወስዳና። እታ ሓንቲ ገፋሕ ኮይና ናብ ጥፍአት ኩነኔ እትወስድ - እታ ሓንቲ ከአ ጸባብ ኮይና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት - ናብ ሕይወት። በታ ጸባብ አፍ ደገ እተዉ፥ እታ ናብ ጥፍ አት እትወስድ አፍ ደገ ርሕብቲ፥ መገዳውን ገፊሕ እዩ፥ እዚ መንገዲ ዓለም ማለት ኢዩ፡” እዚ መንገዲ እዚ መንገዲ ሓጎስ ናይዚ ዓለም ኢዩ፡ ንተሓጎስ ንፈሳሕ - አብዚ ዓለም እዚ ብዘይ ፈሪሃ እግዚአብሔር ህገ እግዚአብሔር ንንበር ዝብል ኢዩ አብ መጨረሸታ ጊና ናብ ጥፍአት ናብ ኩነኔ የብጸሓና፡፡ እቶም ብእአ ዚአትዉ ድማ ብዙኃት እዩም። ምኽኒያቱ ድላይካ ግበር ኢዩ ኢቲ ናታ ፍልስፍና - ጻዕሪ የብላን። እትኸፍሎ መስዋ ዕቲ የብልካን። እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ግና ጸባብ እያ፥ መገዳውን ቐጢን እዩ፥ እቶም ዚረኽብዋ ኸአ ውሑዳት እዮም። ናብ እግዚአብሔር ጎይታና እትወስድ እያ - መስቀል ስደት - መግረፍቲ - ጸርፊ - መስዋዕቲ እተሓትት።
ናብ መንግስተ ሰማይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽንአቱ ሓደ ምርጫ ኪንገቢር ይሓተና። ቃል አምላኽ እትርድኦ ትርጉም እትህቦ ጢራይ አይኮነን እንታይ ደአ ሕይወትካ ኪቅር አለዎ። ስለዚ አብ መንግስተ ሰማይ ንምእታው ሓደ ጉዑዞ ክትገቢር የድሊ ፡ መንገዲ ሓደ ክርስቲያን መንገዲ መስቀል ኢዩ - አማናይ እምበአር ነዚ መስቀል ክስከም ድልው ክኸዊን ይግብ ኦ።