...
Fr. Hagos Tesfagabir
April 30, 2025

እምነት ምንጪ ሕይወት እያ (ካልኣይ ክፋል)

April 30, 2025
Church TeachingsCatholic Social TeachingFaith and SpiritualityQuestions of Faith
...
October 20, 2025
Read 37
0
0
1

2ይ ክፋል

ዝኸበርኩም መፍቀርቲ መድኅኔ ዓለም ኣብዚ ናይ ሎሚ እነቕርቦ ዘለና አስተንትኖ መቐጸልታ ናይቲ አብ ዝሓለፈ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ‘እምነት ምንጪ ሕይወት እያ’ ዝብል አርእስቲ ካልአይ ክፋል እዩ። ኣብ ሓደ ናይ እምነት ጉዕዞ ኣዝዩ ውልቃዊ ዝኾነ ተግባር ኣሎ። ብስመይ/ና ክእመነልና ዝኽእል ሰብ የለን። ኣብዚ ውልቃዊ ተግባር ናይ እምነት ጉዐዞ ድማ ክልተ ዘይነጻጸሉ ሓቅታት ኣለዉ፦ ንሳቶም ከአ ተኣዝዞን ተአማንነትን እያቶም።

እምነት/ምእማን ማለት ተግባር ተአዝዞ እዩ። ምኽኒያቱ ምእማን ማለት ሓቂ ምቕባል ስለ ዝኾነ። ኩሉ ፍልጠትና ክእለትና ንብርሃን ኣምላኽ ተገዚእኻ ምኽአል፡ ብእኡ ክምራሕ ምፍቃድ ማለት እዩ። ንኽርስቶስ አምላኽ ጎይታ ሕይወተይ ምግባር ማለት እዩ።

ኣብታ አብ ምዕ.11:8 ናብ ዕብራውያን ዝተላእከት መልእኽቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ከምዚ ዝብል ንረክብ፦ ኣብርሃም ምስ ተጸውዐ ብእምነት ተኣዘዘ፥ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ናብቲ ርስቲ ኪቕበለሉ ዝነበሮ ሃገር ከደ። እምነት መሳጢን ወይ ዘደንቕ ተመክሮ እዩ። ኩሉ ግዜ ናበይ ከም ዝመርሓና ኣይንፈልጥን ኢና። ብተወሳኺ እዚ ናይ እምነት ተግባር ናይ ምትእምማን ተግባር’ውን እዩ። ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ሓጐስና ከም ዝደልን ንፈልጥ ኢና።

ምእማን ማለት እዚ ፈሊጥካ አብ አምላኽ ምውካስ እዩ፡ ከምቶም ደቃትና ብእምነት ኣብ ሕቑፊ ወለዶም ኣቦኦም አዲኦም ዝወድቁ - ንሕናውን ኩሉንትናና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምቕማጥ እዩ። ብተወሳኺ እምነት ወላ እካ ውልቃዊ ተግባር ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ዘስምዕ እንተኾነ - ኣብ ውሽጢ እዚ ሓቂ እዚ ሓባራዊ ጸዋዕታ ከምዘለዎ ከነስተውዕል ይግባእ። እምነተይ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት እዩ።

ሎሚ ወዲ ሰብ ከከም ዝጠዓሞን ከከም ግዚኡን ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ክፈጥር ይፍትን፤ ገለ ንእሽተይ ካብዚን ቁሩብ ካብትን ከም ዝደልዮ ይወስድ፤ ንእሽተይ ንዕዑ ዝጥዕሞ ሃይማኖት ክፈጥር ከአ ይርከብ። እዚ ግን እምነት ክርስትና ኣይኮነን። እምነተይ ኣነ ዝፈጠርክዎ ውልቃዊ ክውንነት ወይ ሓቂ ኣይኮነን፤ ዝቕበሎ ነገር እዩ። እምነተይ እምነት ማርያም - እምነት ሓዋርያት እዩ፤ እምነት ቤተክርስቲያነይ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘመሓላለፈቶን እተመሓላልፎ ዘላን እምነት እዩ። ብዝኾነ ነገር ክሽፍኖ ዘይክእል - በቲ ናተይ ድኽመት ሓይሉን ጽባቕኡን ዝጎድል እምነት አይኮነን። ብርግጽ እዚ እምነት እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ብዝተፈላለየ ባህልታትን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲን፡ ክግለጽ ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን ሓደ እምነት እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ክንዝክር ንኽእል: ‘ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕኩምዎ፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ። ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ’። ኤፌ.4.4

አብ እምነት ምዕባይ፣ ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን ተገሊጹ እንረኽቦ መግለጺ ‘በብቑሩብ’ ናብ ምልኣት እምነት ምብጻሕ እዩ። እዚ ኸአ ተግባር ናይ ወገን አምላኽ ምኻን ኮይኑ - ንኹሉ ምስጢራት ወንጌልን እምነት ክርስትናን ብሓጎስ፡ ብዝበለጸ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክፉታት ምዃን ማለት እዩ።

አብ እምነት፡ ኣብ መንጎ እቲ እንኣምኖ ተግባርን - ፍቓድና እንህቦ ትሕዝቶን ዓሚቕ ሓድነት ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. እቲ ውላቃዊ ተግባራትና ናይ ወገን አምላኽ ምኻናን ዘርኢ ተግባርን እምነትን ተኣዝዞን - መጠን ቅኑዑን ዓሚቝን ብዝኾነ መጠን፡ ሃብቲ ትሕዝቶ እምነትና ብዝያዳ ይግለጽን ተበጻሒ ይኸውን። ትሕዝቶ እምነት ኣብ ሓቅነቱ ብዝተረኽበ መጠን፣ ሃብትታቱን ጽባቐኡን፣ ሓይሊ ኣምላኽን፣ ዓቢ ይኸውን። ብሓቂ ድማ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ፍርኡ ክንርኢ ንኽእል።

እምነት ናበይ ከም ዝመርሓና አይንፈልጥን ኢና - ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ሕቑፊ እግዚኣብሔር የእትወናን ኣብቲ ዘየደናግር ሓቀኛ ብርሃን አምላኽ ይአኻኽበናን። አብ ሕይወትና ርግጽነት ይህበና። እቲ ርግጽነት ናይቲ እግዚኣብሔር ናብ ሕይወትና ዘምጽኦ ሓቂ ስለ ዝህበና ዓቢ ውሕስነት አለና። እምነት ዝተነጸለ ተግባር ኣይኮነን። ልክዕ ከምቲ በይኑ ክነብር ዘይክእል ሰብ በይኑ ክኣምን ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ንርእስኻ ሕይወት ዘይሃብካያ ንርእስኻ እምነት ኣይትህብን።

ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዚኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ። ዮሓ.11:26

እግዚአብሔር አምላኽና አብ መዓልታዊ ሕይወትና “ጐይታይ፥ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጻኻ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” እንዳበልና እምነትና እንገልጸሎ ጸጋ ይሃበና! ናብ በዓለ ትንሣኤኡ ብሰላም የሳጋግረና! አሜን